ሰላምታ ብ ምቅዳም፡ ሎሚ ብ ሓደ ኣገዳሲ ናይ ነዊሕ ትዕዝብተይ እየ ክዛረብ።
ኩልና ኤርትራውያን ከም ንዕዘቦ ዘሎና ሃገርና፡ ልዕሊ ዝኾነ ግዜ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ብ ጣዕሚ ኣስጋኢ ዝኾነ እዋን ትርከብ።
ቅድሚ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ትዕዝብተይ ምግላጽ፡ ብዛዕባ ተሳትፎ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልስን ድሒሩ ዝነበረ ኲናትን ትንክፍ ከብል።
ዳርጋ ኩሉ ኤርትራዊ ዝደጋግሞ ዘረባ፡ ንሕና ኤርትራውያን ኣሕዋትና፡ኣሓትና፡ኣቦታትና፡ ኣዴታትና ከፊልና ኢና ዝብል እዩ። ኣብ'ዚ ዘረባ ይሰማማዕ ኣኳ እንተኣኾንኩ፡ ኣብ መንጎ እቶም ከም'ኡ ዝብሉ ግን እቶም ተበልጽትን መደናገርትን ከምዘሎዉ ዝሕለፍ ኣይኮነን።
ብዙሓት ስድራቤታት ዓቅምን ኣፍልጦን ስለ ዝነበሮም ደቆም ኣብ ውሑስ ቦታ ጌሮም፡ ኣብ ዝተመርጸ ዩኒቨርስቲ እና ምሃሩን ን ኤርትራ ክሳብ ነጻ ትኸውን ብ ጎቦ ዓይኖም ክሪእዋ ጸኒሖም፡ ዝተኸፍለ ተኸፊሉ ነጻ ምስ ኮነት ን ዙረት ደቆምን ዶላሮምን ሒዞም ዝመጹ ኣዲኦም ትቁጸሮም።
ገሊኦም ውን ደቆም ካብቶም ንሃገር ኢሎም ሂወቶም ክውፍዩ ኣብ ድፍዓት ዝነበሩ ኣሕዋትና ዝበለጹ ከምዝኾኑን፡ ኣብ ዂናት ክኣትዉ ከምዘይክእሉን እና ተዛረቡ፡ "እንታይ ዝኸውን ሂወት እንታይ ዝኸውን ምንባር" ኢሎም ክዝምሩ ብእዝንና ስሚዕና ኢና።
ብ ዘይ እግርኻ ጓህሪ ምርጋጽ ከምዝበሃል ኣብዚ ናይ ሎሚ ዘሎ ኩነታት ሃገርና እንተተዓዚብና ውን ብዙሓት ካብቶም ደገፍቲ መንግስቲ ይኹኑ ካብቶም መንጎመንጎ " ተቃወምቲ እንታይ ዝገበርክሞ ኣሎኩም ፡ ገለ ለውጢ እንተ ትገብሩ ምመጻናኩም" ይብሉ ንሰምዕ ኢና።
ኣብዚ ናይ ሰሙናት ፖሎቲካዊ ጉዕዞ ህግደፍ ፡ ካብ ንደለይቲ ፍትሒ ንላዕሊ ነቶም ከምዚ ከምዝኾነ ዘይፈልጥዎ ደገፍቲ መንግስቲ ኣሰካፊ ኮይኑ ምህላዉ እቶም ተበለጽቲ ጎረሓት ሕሹኽ ዝበልዎም ብዙሕ ስልጠና ዘይወሰዱ ዓያሹ ደገፍቲ ኣስቲኾምልና።
እሞ ሃገር ኣብ ሓደጋ ስለ ዘላ ፡ ሎሚ'ኸ እቶም ደቂ ገርሂ ልባ ብረት ኣልዒሎም ን ጨቛኒ ስርዓት ክሳብ ዝኣልዩዎ ተሓቢኦም ጸኒሖም፡ ድሓር ደቆምን ዶላሮምን ተሰኪሞም ከም በጻሕቲ ናብ ኤርትራ ክኣትዉ ማለት ድዩ?
ሎሚ 'ሲ ሃገር ንምውሓስ ኩልና ደኣ ንሳተፍ።