#ኣብ ደምበ ፍትሒ ዘተሓሳስበካ ጉዳይ#
ኣብ ዝኾነ ሰሚናር ስለምንታይ ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ ቃልሲ ተሳትፎ ዝነበሮም ጥራይ ንቅሓቶም ከካፍሉ ይዕደሙ?
እቲ ናይ ህግደፍ ዕብለላ ክሳብ ሕጂ ኣይወጸን ዘሎ። መንእሰይ ! ሕጂ ውን ካልእ ጨቋኒ ስርዓት ከይ መጽእ ፡ ተሳትፎ ከዕቢ፡ ወናኒ ጉዳይ ሃገሩ ኪኸውን እቲ ግዜ ሕጂ እዩ።
ኣብ ህዝባዊ ግንባርን ተጋድሎ ሓርነትን ዝነበሩ ሕጂ ውን ኣብ ደምበ ፍትሒ ዝርከቡ ተመክሮ ዘሎዎም ሰባት፡ ሓገዝቲ ደኣ እምበር ፡ ሕጂ ውን ወሳኒ ቦታ ናብኦም ገዲፍና ፡ ወሰንቲ ጌርና ክንቅበሎም ፈጺሙ ጌጋ እዩ።
እቲ ብ ህግደፍ ዝተዳህለ መንእሰይ ወላ ሙሉእ ዓቅሚ ከሎዎ፡ ኣብ ቃልሲ ዝነበሩ ሰባት ብ ዝኾነ ልዕሊኡ ጌሩ ይወስዶም እሞ፡ መምህሮም ኪኸውን እና ከኣለ ፡ ኣብ ዝህብዎ ኣስተምህሮ ክመሃር ቅቡል ተወሲዱ።
ሓዲሽ ሲቪላዊ መንግስቲ ኣብ ኤርትራ ክትከል ዝኽእል፡ እቲ ኣብ ሳሕል ዝነበረ ተመክሮ ኣንጻር ባዕዳውያን ምስ ንኽተል ኣይኮነን። ብ ኣንጻሩ እቲ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ንዕዘቦ ዘሎና ሕጋዊ ቅዋማዊ ኣሰራርሓ ምስ ንኽተል እዩ።
ከም'ዚ እንተኾይኑ እቲ ሓቂ ስለምንታይ ኣብዚ ናይ ሕጂ ወለዶ ዘይነተኩር? ስለምንታይ ኣብ ቃልሲ ዝነበረ ዓበይቲ ጉድለታት እና ሰማዕና ፍትሓዊን ቅዋማውን ኣስተምህሮ ገዲፍና ምስቲ ሕጂ ዘድልየና ኣሰራርሓ ዘይ ከይድ ናይ ብረታዊ ቃልሲ ኣስተምህሮ ክንወስድ ሃንቀው ንብል?
ብ ሓቂ ምስትውዓል ዘድልዮ ኮይኑ ይስመዓኒ!
ቃልሲ ብ መንእሰያት ክምራሕ ኣሎዎ።