እቲ ህጻናት ከሎናስ፡ ከም ኤርትራዊ ባህልን ቆራጽነትን ኣብ ዓለም የሎን እና ተዘመረ ኢና ዓቢና፡ ኣብ ንእስነትካ ትመሃሮ ታሪኽ ምስ ዓበኻ ፡ ክንዲ ሰብ ኮይንካ ኣብ ተመዛዝነሉ ግዜ ምስ በጻሕኻ ተጻራሪ ወይ ድማ ብ ግልባጥ ኮይኑ ምስ ትረኽቦ፡ ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ።
ኤርትራውያን መንእሰያት (ትሕቲ 40) ሎሚ እቶም ኣብ ናጽነት ትሕቲ 7 ዓመት ዝነበሩ ህጻናት ወይ ድሕሪ ናጽነት ዝተወልዱ እዮም። እቲ ኣብ ዕድመ ስልጣን ህግደፍ ዝተዘመረ ሓደ ልቢ ሓደ ህዝቢ፡ ሕድሪ ስውኣትና ነኽብር ፡ ደቂ ስውኣትን ስድራ ስውኣትን፡ ሲንጋፖር ክንቅይራ ኢና፡ ካልእ ስማዊ እምበር ተግባራዊ ዘይኮነ ሃለውለው ምስትውዓል ደኣ ጎዲሉና ከይከውን እምበር ፡ ሓሶት ምዃኑ ርዱእ ካብ ዝከውን ዓመታት ኣሕሊፉ እዩ።
ሎሚ ቅነ እቶም ዕሉላት ተበለጽቲ ፡
ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ'ቲ ፡ ዘድሊ ኣይነበረን ዝበልዎ ኲናት 1998-2000 ኣብ ርብርብ ዝነበርሉ ግዜ፡ ደቆም ኣብ ውሑስ ቀዳማይ ዓለም ኣቀሚጦም፡ " እንታይ ዝከውን ሂወት እንታይ ዝኸውን ምንባር " ክብሉ ብ እዝንና ዝሰማዕናዮም ፡ ኣብቲ እዋን ብዛዕባ ደቆም ተሓቲቶም "ደቀይ ጭዋታት እዮም" ክብሉ ዝሰማዕናዮም ፡ እቶም ኣብ 1998 ህግደፍ ብ ካብ ህዝቢ ተሓቢኡ ዝጠጅኦ ተንኮል፡ ነቲ ን ልምዓት ሃገር ተሻሞ እና በሉ ን ናይ ጥፍኣት ኲናት ዘንበድበዱ!
ሎሚ ን ባህላዊ ዝምድና ኤርትራን -ኢትዮጵያን ተባሂሉ፡ ናይ ክብሪ ኣጋይሽ ኮይኖም ክትርኢ ከሎኻ፡ ኣብ ዓድና ብ ሓደ ሰብ ትውነንን ከም ዘላ ተወሳኺ መረጋገጺ እዩ።
ስል'ዚ ን ኩሉኹም ኤርትራውያን ፡ ዓዲ ናበይ ገጻ ተብል ከምዘላ፡ ኩልና ንዕዘብ ኣሎና። ሎሚ ብ ውድበይ ውድብካ፡ ደላዪ ፍትሒ ህግደፍ ኢልና እንተ ተፈላሊና ጽባሕ ናይ 30 ዓመት ዘይኮነስ ናይ 60 ዓመት ቃልሲ ውን ዘይ መልሶ ክሳራ ልኡላውነት ሃገር ከስዕብ ይኽእል እዩ። እዚ ዓለም ናጽነትና ፈሊጣ እያ ዝበሃል ንነብሰ ምትዕሽሻው ነልዕሎ ዛዕባ፡ ካብቲ ዝመጽእ ዘሎ ሓደገኛ ማዕበል ዘናግፈና ኣይመስለንን።
ካብ'ታ ናይ ሰላምን ምድማርን ነጋሪት ዝተሃርመትላ መዓልቲ ዝተሓቱ ሕቶታት፡ ዝተዋህቡ መልስታት፡ዝተገብሩ ስምምዓት ደጋጊምና ነስተውዕለሎም፡ ብድሕሪ'ዚ ጉዳይ ናበይ ገጹ እዩ ንምግምጋሙ ኣየጸግምን።
ውሕጅ ከይ መጸ መንገዲ ውሕጅ ጽረግ እዩ።
15/02/2019።