ሰላምታ ብምቅዳም፡ኣብዚ ዘሎ እዋናዊ ኩነት ዘሎኒ ትዕዝብቲ፡ትጽቢት ከምኡ ውን ከም ኤርትራዊ ዘሎኒ ሻቅሎት ብ ከምዚ ዝስዕብ ክገልጽ ክፍትን።
ኩልና ካብ 2018 ክንዕዘቦ ከምዝጸናሕና እዚ ዝኸይድ ዘሎ ኩነት ንዓና ኤርትራውያን ይጸሉ ጥራይ ዘይኮነ ድሒሩ ብቀንዲ ዝምልከተና ጉዳይ ምኻኑ ንስሕቶ ኣይመስለንን።
#ብኸመይ #ይምልከተና #ዝብል #ምስ #ነልዕል!
-ኣብ ኢትዮጵያ መጽዩ ዘሎ ስርዓት እቲ ብሄራዊ ፈደራሊዝም ኣልዩ ብሓደ ድላዩ ዝገብር ዓብላሊ ስርዓት ትምራሕ ኢትዮጵያ ንምስራሕ ብ ፍጥነት ይሰርሕ ኣሎ።
እቶም ን መሰል ርእሰውሳነ ን ዓመታት ዝተቃለሱ ተጋሩ ነዚ እዮም ዋጋ ከፊሎም ዝከላኸሉ ዘሎዉ። እዚ ብ ኣቢ ኣሕመድ ዝስራሕ ዘሎ እኳ እንተ መሰለ እቲ #ቀንዲ #ሃንዳሲ #ኢሰያስ #እዩ መኽንያቱ፡ ምስቲ ንዓመታ ዝሰርሓሉ #ውህደት #ኤርትራ #ምስ #ኢትዮጵያ #ዝሰማማዕ #ስነሓሳብ ስለ ዝኾነ።ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ምሉእ ንምሉእ ንፈደራዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሕግዝ ዘሎ።
- ኣብዚ መትከል እዚ #ህውሓት ብዘየገድስ #ህዝቢ #ትግራይ ክሰዓር ኣይክእልን እዩ። ይንዋሕ ይሕጸር ዓወቱ ምሰረጋገጸ ልኡላዊት #ሃገረ #ትግራይ ብ ዓለም ኣፍልጦ ንምርካብ ብ #ሪፈረንደም #ከረጋግጽ እዩ። ብድሕሪ እዚ ኢትዮጵያ ሃገራት እምበር ሃገር ኮይና ክትቅጽል ዘሎ ተኽእሎ ብጣዕሚ ውሑድ እዩ።
እዚ ምስ ዝኸውን ካብታ ምርግጋእ ዘይብላ ኢትዮጵያ እቶም ስሳዓት #ደርጋውያን ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ዝፈታተን ናይ ይግበኣና ሕቶ ኣልዒሎም ፡ ን ኤርትራውያን ዋጋ ከክፍለና ይኽእል እዩ።
-ምስ ዓወት ህዝቢ ትግራይ ባይታ ዝረኸበ #ደምበ #ፍትሒ #ኤርትራ ን ህግደፍ ብቅልጡፍ ክኣልዮ ዓቢ ዕድል ክረክብ ተኽእሎ ኣሎ። ኣብዚ ደረጃ እዚ ከይ ተበጽሐ ግን ደምበ ፍትሒ ብቅልጡፍ ኣመዓራርይዎም ክጸንሕ ዘሎዎም ኣገደስቲ ስርሓት እዞም ዝስዕቡ እዮም።
1)ኣብቲ ናይ መሰጋገሪ እዋን ቀላሲ ክኸውን ዝኽእል ሓደ ናይ ልፍንታዊ ሓይሊ ኣዳሊኻ ምጽናሕ። እዚ ብ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ዝቐውም ግዝያዊ ሓይሊ ነዚ ኣብ ደምበ ፍትሒ ዘሎ ሓይሊ ቁጠባ፡ናይ ዲፕሎማሲ ከምኡ ውን ሰብኣዊ ዓቅሚ ጠርኒፉ ናይ #ትካላዊ ኣሰራርሓ መስመር ዘትሕ ይኸውን።
2)ደምበ ፍትሒ ካብ ኩሉ ፈላጥን ክምህርን ዝደሊ ምዃን ናብ ክፈልጥን ክምሃርን ዝደሊ ምስግጋር ከድሊ እዩ።
እዚ ከኣ ሰብ በቢ ዓቅሙም በቢ ሞይኡን ዝቃለሰሉ ሃዋህው ምፍጣር እዩ። እዚ ነቲ ዝተጋደለ እምበር ዝተማህረ ዘየቀድም ሕብረተሰብና ክቅይሮ እዩ፡ ነቶም ምሁታትን ዓቅሚ ዘሎዎምን ሰባት ክሰርሑ ቀዳምነታት ክህብ እዩ።
3)ኣብ ልዕሊ እዘን ዘሎዋ ናይ ብሕቲ መራኽቢ ብዙሓን ብደምበ ፍትሒ ዝውነንን ዝምወልን መድያ የድሊ እዩ።
እዚ ምስ ዝግበር ነዚ ተከሲቱ ዘሎ ኣሻቃሊ ግን ከኣ ሰሪሕና ናብ ጥቅምና ክንቅይሮ ንኽእል ኩነት ብክውንነትን ድልዉነትን ክንገጥሞ ንኽእል።
ደምበ ፍትሒ ካብ ህግደፍ ይበዝሕ፡ ብትሕዝቶ ውን ኣይሓምቅን፡ብኣፍልጦ ውን ይበልጽ፡ ቦኺሩና ዘሎ ጉዳይ ውህደትን ምሕደራን እዩ።
Simon RH
07/12/2020
No comments:
Post a Comment