Followers

Saturday, 15 September 2018

እዋናዊ መልእኽቲ!

ኣገዳሲ እዋናዊ ዛዕባ!!

ኩልና ኤርትራውያን ሎሚ ቅነ ካብዚ ዝሓለፈ 17 ዓመታት ፍልይ ዝበለ ፖሎቲካዊ ምንቅስቃስ ህግደፍ ምርኣይና ፡ ሓደ ኣወንታዊ መንገዲ ምዃኑ ብሩህ እዩ።

ኣብ መጀመርያ ናይ ዚ ዓመት ከም ዝተዓዘብናዮ፡ ምሁራት ትግራዎት ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ድማ ብ ሓፈሻ ነዚ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ትስፍው ናይ ሰላም ንፋስ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክዉን ንምግባር ከም ዘበገሱዎ ኣብ ዝተፈላለየ ህዝባዊ ኣኼባታቶም ተዓዚብናዮ ኢና።

እዚ ሕጂ ዝዝረብ ዘሎ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ሓበሬታ መርበባት ግን ህዝቢ ትግራይን ሓለፍቲ ሕውሓትን ነዚ ሰላም ከም ዘይደሉዎን ኣንጻሩ ይጉስጉሱ ከምዘሎዉን እዩ። ኣብ ቲ መደረ ናይ ኢሰያስ ኣብ 20 ሰነ ዝተገብረ ውን ብዙሕ ናይ ጽልኢ ቃላት ሰሚዕና ኢና።

ንሕና ኤርትራውያን ክንፈልጦ ዝግበኣና ነዚ ናይ ሰላም ኩነታት ን 16 ዓመት ዕንቅፋት ኮይኖም ዝጸንሑ ክልቲኦም መንግስታት እዮም፡ ካብ ዝገርም እቲ ዘከራኸረ ጉዳይ፡ ኢትዮጵያ ካብ ባድመ ከይ ወጻና ዝርርብ ንግበር ክትብል ከላ፡ ኢሰያስን ጉጅልኡን ከኣ ካብ ባድመ ከይ ወጻኹም ዝርርብ ኣይንገብርን እዮም መሊሶም። ሕጂ ድሕሪ ዓመታት ካብ ባድመ ከይ ወጹ ፡ ኣዲስ ኣበባ ከይዶም ክዘራረቡ ተሰማሚዖም፥ እዚ እንተኾይኑ እቲ ሓቂ፡ በየናይ መንገዲ እዮም ወያነ ዕንቅፋት ኮይኖም ዶ' Game Over እና ተባህለ ሕጂ ውን ኣብ መንጎ ህዝቢ ዳግማይ ፍሕፍሐ ዘምጽእ ናይ ቅርሕንቲ ቃላት ዝዝረብ ዘሎ።

ንዓና ን ኤርትራውያን ሰላም ምስ ኢትዮጵያውያን የድልየና ክንብል ከሎና፡ ብዝያዳ ከኣ ምስቶም ዝዳወቡናን ብ ኹሉ ናባና ዝቀርቡን ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ ከነስተውዕል ይግባእ። ናይ ሰላም መስርሕ ምስ ህዝቢ ትግራይ እንተ ዘይኮይኑ፡ እቲ ስምምዕ ዘይተግባራዊ ይኸውን፡ ከም እንደገና ኢሰያስ ምስ ጉጅልኡ ምስ ህግደፋዊ ስነ ሓሳቦም መሕብኢ ክረኽቡ እዮም፡ ማዕረ ማዕሪኡ ከኣ ፡ ሽግርን መከራን ህዝቢ ኤርትራ ንኸብቕዕ ፡ ኣብ ዓድና ሕግን ፍትሒን ዝብል ሕቶ ህዝቢ ይዕንቀፍ።

እቲ ቀንዲ ሕቶና ዘቤታዊ ጉዳይና ምዃኑ ከነስምረሉ ኣሎና፡ እዚ ማለት ፡ ናይ ዶብ ጉዳይ ምስ ኢትዮጵያ፡ እቲ ቀንዲ መኽንያት ህግደፍ ተሓቢኡሉን ን ህዝቢ ከመኽኒየሉን ዝጸንሐ ስለ ዝነበረ ምፍትሑ፡ የድሊ እኳ እንተኾነ፡ ሓደ ስጉምቲ ንቅድሚት ጥራይ እዩ። እቲ ቀንዲ ዘድሊ ዘሎ ኣብ ኤርትራ ፡ ስልጣን ናብ ህዝቢ ተረኪቡ፡ ቅዋም ተጌሩ፡ ኤርትራ ብ ሕጊ ትመሓደር፡ ኩሉ ኤርትራዊ ብ ማዕረ ዝነብረላ ንምግባር እዩ።

ስምኦን ረዘነ
26/06/2018

መልእኽቲ ናብ ኤርትራውያን

ናብ ኩሉ ኤርትራዊ ደላዪ ፍትሒ

ሰላም ኩሉኹም ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ ከም ዝፍለጥ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብ ዝተፈላለዩ ደቀቅቲ ነገራት ክንጸባጸብ ናይ ዘይምስምማዕ ኣብ መንጎና ሳዕሪሩ ጸኒሑ እዩ። ከም ውጸኢቱ ድማ ጉጅለ ህግደፍ ዕድመ ስልጣኖም ኣናዊሖም ጥራይ ዘይኮኑ 'ሲ ፡ ተኣኪቦም ዘየፍርዩ፡ እዚኦም እንቛዕ ኮኑ ተቃወምትና እና በሉ የስተነዓቚና እዮም።

እዚ ሕጂ ን ሪእዮ ዘሎና ምስ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ናይ ሰላም ስምምዕ ግን ብ ፍሉይ ከነስተውዕለሉ ዘሎና ሓደገኛ ጉዳይ እዩ። መኽንያቱ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ምስ ህግደፍ ብምርድዳእ ረብሓኦም እዩ ዘገድሶም። ህግደፍ ከኣ ካብ ዝገበሮ ገበን ን ክሃድም ዝሓተትዎ ከም ዝህቦም ኣየጠራጥርን።

እቲ ብዛዕባ ዓዱ እንታይ ይበሃል ከም ዘሎ ዘይፈልጥ ህዝቢ ኤርትራ ደኣ እንታይ ይግበር? በ የናይ መንገዲ መልእኽቱ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ከብጽሕ?

ሕጂ እያ እታ ወሳኒት ግዜ፡ ኩሉ ደላዪ ፍትሒ ኤርትራዊ ፡ብ ዘይ ውድበይ ውዱብካ ኣብ ሓደ መስመር፡ ሃገር ንምውሓስ ብ ሓደ ተጠርኒፉ ፡ ከካብ ዘሎዎ ወከልቱ ሰዲዱ ኣብ ማእከላይ ቦታ ኣኼባ ብምግባር ሓደ ኮምሚቴ ወካሊ ናይ ኩሉ ደላዪ ፍትሒ ከቁም ኣሎዎ።

ብድሕሪ እዚ ን መንግስቲ ኢትዮጵያ ውን እንተኾነ፡ እዚ ዝግበር ዘሎ ናይ ሰላም ስምምዕ፡ ምስ እዞም ህዝቢ ዘይወከሎም ጉጅለ ህግደፍ ጥራይ እንተኾይኑ ዘላቒ ሰላም ከም ዘየምጽእ ምሕባር ይከኣል። ካብኡ ሓሊፍና ድማ ኣብ ዓድና ስልጣን ናብ ህዝቢ ይረከብ፡ ፍትሕን ሕግን ይገበር ፡ እሱራት ብ ዘይ ቅድመ ኩነት ይፈትሑ፡ ክንብል ንኽእል።

Simon Rezene.
30/06/2018

Eritrean orthodox church doc

  https://cnewa.org/eastern-christian-churches/oriental-orthodox-churches/the-eritrean-orthodox-church/