Followers

Thursday, 13 June 2019

ኤርትራዊ ወረቀት መንነት!

ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ#ህግሓኤ#!
#ኤርትራዊ #ወረቀት  #መንነት#!

ስም ናይ ሓንቲ ውድብ ኣብ ወረቀት መንነት ናይ ዜጋታት ዝጸሓፍ እንትርፎ ኣብ ኤርትራ ኣብ ካልእ ዓለም ኣይተራእየን።

ህግሓኤ(ህግደፍ ድሕሪ 1994) እዚ ኩሉ ናይ ውድብ ዕብየት እምበር ዕብየት ህዝቢ ዘይ እንፍት ኣካይዳ እና ኸደ 'ሲ ፡ ኣብ ኤርትራ ኣባል ህግሓኤ ዘይነበረ ከስተዋዕል ዝኽእል ኣይነበረን ማለት ድዩ ወይስ ብ መደብ እና ረኣዩ ስቅ ስለ ዝበሉ እዩ?

#ህግሓኤ# ሓደ ውድብ ደኣ እምበር ፡ ምስ መንነት ናይ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ  ብ ኸመይ ይተኣሳሰር? ብ ጣዕሚ ዝገርም እዩ፡ እዚ ኣሰራርሓ ካብ ነዊሕ ዝተሰርሓሉ ህግሓኤ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ንህዝቢ እና ኣእመንካ ፡ ብ ዘሎካ ተንኮል ተጠቂምካ ኣብ ሓንጎል ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ከምዝሰርጽ እናተገብረ እዩ መጽዩ።
ነዚ' ካብ ነዊሕ ዝተሰርሓሉ ተንኮለኛ ኣካይዳ፡ ናይ ውዱብ ረብሓ እምበር ናይ ህዝቢ ዘየቀድም፡ ን ህዝቢ ብ ፖሊቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ቁጠባዊ ሂወቱ ን ዓመታት ጅሆ ሒዙ ዘሎ ረብሓ ዋሑዳት ዘቀድም ጨቋኒ ስርዓት ብ ንቅሓት ምቅላሱ ሓላፍነት ናይ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ እዩ።

ኣብ ወረቐት መንነት ዜጋታት ኤርትራ #ሃገረ #ኤርትራ እዩ ክኸውን ዝግብኦ  መንኽንያቱ ህግሓኤ ምስ መንነት ዘተኣሳስር የብሉን።

Friday, 17 May 2019

#ኣብ ደምበ ፍትሒ ዘተሓሳስበካ ጉዳይ#

#ኣብ ደምበ ፍትሒ ዘተሓሳስበካ ጉዳይ#

ኣብ ዝኾነ ሰሚናር ስለምንታይ ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ ቃልሲ ተሳትፎ ዝነበሮም ጥራይ ንቅሓቶም ከካፍሉ ይዕደሙ?
እቲ ናይ ህግደፍ ዕብለላ ክሳብ ሕጂ ኣይወጸን ዘሎ። መንእሰይ ! ሕጂ ውን ካልእ ጨቋኒ ስርዓት ከይ መጽእ ፡ ተሳትፎ  ከዕቢ፡ ወናኒ ጉዳይ ሃገሩ ኪኸውን እቲ ግዜ ሕጂ እዩ።
ኣብ ህዝባዊ ግንባርን ተጋድሎ ሓርነትን ዝነበሩ ሕጂ ውን ኣብ ደምበ ፍትሒ ዝርከቡ ተመክሮ ዘሎዎም ሰባት፡ ሓገዝቲ ደኣ እምበር ፡ ሕጂ ውን ወሳኒ ቦታ ናብኦም ገዲፍና ፡ ወሰንቲ ጌርና ክንቅበሎም ፈጺሙ ጌጋ እዩ።

እቲ ብ ህግደፍ ዝተዳህለ መንእሰይ ወላ ሙሉእ ዓቅሚ ከሎዎ፡ ኣብ ቃልሲ ዝነበሩ ሰባት ብ ዝኾነ ልዕሊኡ ጌሩ ይወስዶም እሞ፡ መምህሮም ኪኸውን እና ከኣለ ፡ ኣብ ዝህብዎ ኣስተምህሮ ክመሃር ቅቡል ተወሲዱ።

ሓዲሽ ሲቪላዊ መንግስቲ ኣብ ኤርትራ ክትከል ዝኽእል፡ እቲ ኣብ ሳሕል ዝነበረ ተመክሮ ኣንጻር ባዕዳውያን ምስ ንኽተል ኣይኮነን። ብ ኣንጻሩ እቲ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ንዕዘቦ ዘሎና ሕጋዊ ቅዋማዊ ኣሰራርሓ ምስ ንኽተል እዩ።

ከም'ዚ እንተኾይኑ እቲ ሓቂ ስለምንታይ ኣብዚ ናይ ሕጂ ወለዶ ዘይነተኩር? ስለምንታይ ኣብ ቃልሲ ዝነበረ ዓበይቲ ጉድለታት እና ሰማዕና ፍትሓዊን ቅዋማውን ኣስተምህሮ ገዲፍና ምስቲ ሕጂ ዘድልየና ኣሰራርሓ ዘይ ከይድ ናይ ብረታዊ ቃልሲ ኣስተምህሮ ክንወስድ ሃንቀው ንብል?

ብ ሓቂ ምስትውዓል ዘድልዮ ኮይኑ ይስመዓኒ!
ቃልሲ ብ መንእሰያት ክምራሕ ኣሎዎ።

Tuesday, 14 May 2019

ህግደፍ ብ ማሕበራዊ መድያ ክእለ ኣይክእልን።

ህግደፍ.....ብ facebook ወይ ብ ካልእ  ማሕበራዊ መራኸቢ ጥራይ  ዝወድቅ ስርዓት ከም ዘይኮነ ኩሉ ኤርትራዊ  ዝዝንግዖ ኣይመስለንን።
ብዝሓት ኤርትራውያ ኣብ facebook live ወጽዮም ብዛዕባ ኩነታት ዓድና ምዝራቦም ጽቡቅ እኳ እንትውኾነ ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብ ፍላይ ዳርጋ ኩሉ ህዝቢ ን ህግደፍ ከም ጻዕዳ ኢዱ ፈሊጥዎ እዩ ክበሃል ይከኣል።
ከም ውጻኢቱ ድማ ብዙሕ መንእሰይ "ይኣክል" ብ ምባል ኣብ facebook ብ ቅሉዕ ሓሳቡ ገሊጹ እዩ።
ኣብ'ዚ ሕጂ እዋን ተሪፉ ዘሎ ኣገዳስን ዘይተርፍን ስጉምቲ "ተግባር " እዩ።
ኣንጻር እዚ መንግስቲ ዝስሙ ጨቛኒ ኣብ ዓድና ዘሎ ጉጅለ ክንለዓል ከሎና ፡ ብድሕሪኡ ዘሎ ግዜ ሓላፍነት ክወስድ ዝክእል ኣካል ምድላው ግድን እዩ።
እቲ ኪኸውን ዝግብኦ ፡ ኣብ ደምበ ፍትሒ ዘሎዋ ምንቅስቃሳት ኣብ ውድብ ዘብለን ደረጃ በጺሐን ሓላፍነት ንምውሳድ ድሉዋት ኪኾና እዩ። እንተ'ኾነ ግን ብ ዲፕሎማስያዊ፡ ቁጠባዊ፡ ካልእ ብዙሕ ኣብ ግምት ክኣቱ ዘሎዎ መምዘኒታት ኣብዚ ደረጃ ዝበጽሐት ወይ ዝበጽሓ ምንቅስቃሳት ኪሳብ ሕጂ የላን/ የለዋን።
እቲ ኣማራጺ ኪኸውን ዝኽእል ምንቅስቃሳት ,ሲቪክ ማሕበራት፡ዓቅሚ ዘሎዎም ውልቀ ሰባት ማእከል ዝገበረ  ህዝባዊ ጥርናፈ ኣብ ኩለን ሃገራት ተጌሩ ፡ ህዝቢ ኣኣብ ዘሎዎ ሃገር ወከልቱ ኪገብር።
ብ ድሕሪ ዚ እቲ መሪሒነት ናይ ኩለን ሃገራት ርክብ ጌሩ፡ ን ደምበ ፍትሒ ዝውክል መሪሒነት ክቀውን ይኽእል።
እዚ ብ ህዝቢ ውክልና ዝተዋህበ መሪሒነት ትካላዊ ኣሰራርሓ ብምቛም ንደምበ ፍትሒ ምስ ዘሎ ብዙሕ ፍልልያት ብሓባር ብምምራሕ ነቲ ድሕሪ ህግደፍ ዘሎ ግዜ ምድላዋቱ ኣብ ዘጻፈፈሉ እቲ #ተግባር# ንብሎ ዘሎና ናይ መወዳእታ ስጉምቲ ኣንጻር ህግደፍ ክውሰድ ይከኣል።
በዚ ሕጂ ዝከይድ ዘሎ ኣገባብ ግን ከይ ሓረስካ ምህርቲ ምጽባይ እዩ።  ኣብ ጥልያን እዛ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ትብል ሜላ ጥርናፈ ጽቡቅ ውጽኢት እና ምጽአት እያ። ኣብ ኩሉ እንተ ዝስረሓላ ውጽኢታዊት ምኾነት ይመስለኒ።

Friday, 10 May 2019

#ለበዋ ን ኤርትራውያን መንእሰያት#

ሰላም ክቡራት ኤርትራውያን ፡ ሰላምታ ብምቅዳም ነዚ ዝስዕብ ውልቃዊ ርኢቶይን ቶዝብተይን ከካፍለኩም።
ኣብ ዝኾነ ሃገር መትኒ ሕብረተ ሰብ መንእሰይ እዩ። ብ ዘይ ተሳትፎ መንእሰይ ዝስራሕ ፖሊቲካዊ፡ቁጠባዊ፡ማሕበራዊ ጉዕዞ ናይ ሓንቲ ሃገር ፡ ኣሉታዊን ኣዕናውን ዝኾነ ውጽኢት ከም ዘሎዎ ካብ ኩነታት ሃገርና ርኡይ ኣብነት እዩ።
ከም ዝፍለጥ ህግደፍ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ብ ሓፈሻ ኣብ መንእሰያት ከኣ ብ ፍላይ ዘውረዶ ሃስያ፡ ብጣዕሚ ከቢድ እዩ። ገለ ካብ'ቲ ብዝሑ ንምጥቃስ ÷
- መንእሰያት ኣብ ዓዶም ውልቃዊ ሂወቶም ብ ነጻ ንኸይ መርሑ ሰሪሑ።
-ናይ ትምርቲ ዕድላቶም ብ ሰሪ ማሕበራዊ ጸገማት ከም ዘይቀንዕ ጌሩ።
-እቲ ቁሩብ ኣድማዕነት ዝነበሮ ሃገራዊ ዓውደ ትምርቲ ብ ምቕያርን ዕግበት መማህራን ከም ዘይህሉ ብ ምስራሕ፡ እቶም ዓመታት ዝተማኣህሩ መንእሰያት ውን እንተኾነ ብቕዓት ከምዘይህልዎምን ጌሩ እዩ።

ከም ውጽኢቱ መንእሰያት ካብ ኤርትራ ምስ ወጻና ዘጋጥም ዘሎ ጸገማት ካብ ኩልና ዝተኸወለ ኣይኮነን። ነዚ ኣብ ደገ ዘጋጥም ዘሎ ጸገማት ንምብዳህን ኣብ ኩነታት ዓድና ድማ ዋናታት ንምዃን ክንክተሎም ዘሎና መንገድታት ማሕበራውን ፖሊቲካውን መንገድታት=

(1)- ምስ ኣብ ከባቢና ዝነብሩ ኤርትራውያን በቢ ዘሎና ዓቅሚ ክንተሓጋገዝ ይግባእ።

(2)-ብ ሰሪ ህግደፍ ብ ውሽጢ ውሽጢ ክስረሓሉ ዝጸንሐ ኣውራጃዊ ፍልልያት ከነወግድ ግዚኡ ሕጂ እዩ።

(3)- ዝኾነ ብ ውልቀ ሰባት ይኹን ብ ጥርኑፍ ንዝብገሱ ሓሳባት ብዛዕባ ሃገር፡ ኣብ'ቲ ሓሳባትን ክውንነቱን እምበር ኣብ መን ኣበጊስዎ ካበይ እዩ'ኸ ዝብል ድሑር ኣረኣእያ ኣይነተኩር።

(4)- ኣብ ነሕድሕድና ምክብባርን ስነ ምግባር ዘሎዎ ኣዘራርባን ኣሰራርሓን ከነማዕብል ይግባእ።

(5)- ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራ ብ ሃይማኖት ይኹን ብ ኣውራጃ ብ ኣሉታ ዝጸሉ ዘይክዉንነታዊ ፍልልያት ከነልዕል ኣይግባእን።

(6)- ኣብ ጉዳይ ሃገር ናይ ቃልሲ ተመኩሮ ዘሎዎም ዓበይቲ ሰባት ክንውከስ ግቡእ እጓ እንተኾነ፡ ኣብ'ቲ ወሳኒ ጉዳይ ዓድና ዋናታት ክንከውን ይግባእ።

እዚ ኪግበር እንተኾይኑ፡ ኣኣብ ንነብረሉ ከባቢታት ክንጥርነፍን ወከልትና ክንመርጽን እዋናዊ ጉዳይ እዩ።
እቲ ህግደፍ ኣብ መንእሰይ ዘውረዶ ሃስያ ብ ምጥቃም ፡ ገለ ተመኩሮ ዘሎዎም ኣካላት ብ ዘይሕጋውን ዘይቅርዑይን ኣሰራርሓ ነቲ ድሕሪ ህግደፍ ንጽበዮ ዘሎና ብ ህዝቢ ዝውነን ቅዋማዊ መንግስቲ ከጸልምቱ መታን ከይሰርሑ፡ ንሕና መንእሰያት ኣብ ጉዳይ ሃገርና ብ ንቅሓት ምድላዋትናን ውዳበናን ከነዕቢ ይላቦ።

Simo.R
10/05/2019

Friday, 29 March 2019

ናይ ይኣክል መልእኽቲ ስለምንታይ የገድስ?

#ናይ ይኣክል ብ ቪድዮ ስለምንታይ የገድስ#?

ሰላም ክቡራት ኤርትራውያን ኣኣብ ዘለኹሞ ሰላምን ጥዕናን ይምነየልኩም። ንሎሚ ብዛዕባ ናይ ይኣክል መልእኽቲ ስለምንታይ የገድስ ወይ እንታይ ጥቅሚ ኣሎዎ ኣብ ዝብል፡ ውልቃዊ ርኢቶይ ክገልጽ።

እዚ ሎሚ ቅነ ተጀሚሩ ዘሎ ማዕበል ወይ ድማ ህዝባዊ ምልዕዓል ብ ምስልኻ ከይሓባእካ ብድሆ ወይ ይኣክል ዝብል መልእኽቲ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ 10 ዓመት ዘይተገብረ ጥበብ እዩ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ሓደ መዓልቲ ንሱ ድማ ብ ሰዓታት ዝነበረ፡ ሎሚ ኩሉ ግዜ ብ ዝተፈላለዩ ሰባት፡ ኣሕዋቶምን ኣዕሩኽቶምን እና ረቑሑ፡ ኣታ ሕሰም ኤርትራውያን ዝኾንካ ስርዓት ፡ ሎሚ ኣብ ዓድና ቦታ የብልካን ተኣለየልና፡ ኣይትእለን ንገብሮ ኣሎና ክብሉ ክትርኢ ከሎኻ ብጣዕሚ ዘሕጉስ ነገር እዩ።

እዚ ናይ ይኣክል መልእኽቲ ውጽኢታዊ ዝገብርዎ ነጥብታት፣

1) ኣብ ኤርትራዊ ብ ህግደፍ ዝሰፈነ ፍርሒ ብ ወግዒ ተቀንጢጡ።

2) ብዙሕ ኤርትራዊ ፡ ን ህግደፍ ኣጽናትን ዓማጽን ምዃኑ ከም ዝፈለጦ፡ ኣኣብ ገዝኡ ኮይኑ ብሕሹኽሹኽ ዘይኮነ ብ ጋህዲ ምስሉ ቀሊዑ ብ ወግዒ ምስክርነቱ ሂቡ።

3) ብዙሓት ኣብ ላንጋላንጋ ወይ መንጎ መንጎን ምስ ህግደፍን ዝነበሩ ኣብ ናይ ፍትሒ ምድላይ መንገዲ ይመጹ ኣሎዉ።

4)ነቶም ህግደፍ ወይ ሞት ዝብሉ ውን እንተኾነ፡ ኩነታቶም ኣበይ ከም ዘሎ ንምጽናዕ፡ ሓበሬታት ሃሰውሰው ከም ዝብሉ ጌርዎም ኣሎ።

5)እቲ ትዕቢተኛ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብ ሰንኪ ኣብ ህዝቢ ዘሎዎ ንዕቀት ዝገብሮም ሃገራዊ መደባትን ስርሓትን ን ህዝቢ ዘይ ሕብር ዝነበረ ፡ ብ ሰሪ ናይ ያኣክል መልእኽትን ካልእ ስርሓት ደለይቲ ፍትሕን፡ ከይ ፈተወ ገለ መእመኒ ዝኮኑ ሓሶታት ክዝርግሕ ጀሚሩ።

6) ን ኹሉ ደላዪ ፍትሒ ውን ዝሓበረ ሓፋሽ ዓጋቲ የብሉን ከም ዝበሃል፡ እንተ ሓቢርና ጥራይ ከም ን ዕወት ፡ ብ ዝተገብረ መልእኽትታት በሪሁሉ ኣሎ።

7) ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ ብ ጣዕሚ ይዕዘቦ ኣሎ።

ስለ'ዚ ናይ ይኣክል መልእኽቲ ኪቅጽል ኣሎዎ፡ ብ ጣዕሚ ውጽኢታዊ እዩ።
ምስኡ ድማ ኩሉ ደላዪ ፍትሒ ፡ ውድቡ ብ ዘየገድስ ብ ደላዪ ፍትሒ ኣኣብ ዘሎዎ ሃገር ክጥርነፍ ኣሎዎ። እዚ ምስ ዝግበር ናብ ተግባር ክንሰጋገር ፡ ዓድና ክንኣቱ ንኽእል።

Tuesday, 19 March 2019

ዘይሕጋዊ ሕክምና ካንሰር ኣብ ኣስመራ!!

እዚ ሎሚ ቅነ ካብ ኣስመራ ብ ግዱስ ኣባል ሚኒስትሪ ጥዕና ዝተላእከ ብዛዕባ ምምስራት ሕማም ካንሰር ዝፍውስ ዘይ ሕጋዊ ሕክምና ምስ ሰማዕኩ፡ እቲ ቀጥታ ዝተሃወኩሉ ነገር እንተ ኔሩ፡ ታደሰ ጠዓመ መን እዩ ንምፍላጥ እዩ ።
እቲ ብ ቅጽበት ክፈልጦ ዝደረኸኒ ድማ፡ ኣብዚ ሎሚ ምስ ኢሰያስን ወዱን ተሻሪኹ ፡ ዝረኸቦ ዕድል ተጠቂሙ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘሽካዕልል እንታዋይን ወዲ መንን ኮን ይኸውን ካብ ዝብል እዩ።

እምበኣር ታደሰ ጠዓመ ኣብ ኣስመራ ዝዓበየ ኮይኑ፡ መበቆል ዓዱ ዓዲ ዂታ ( ን/ዞባ ሰገነይቲ) እዩ።
ታደሰ ካብ ነዊሕ ዝሰርሖ ስራሕ ኮምፑተር እንበር ሕክምና ኣይነበረን።

እቲ ዝገርም ታደሰ ጠዓመ ነቲ ኣብ 2007 ብ ሽርኽነትን ተንኮላትን ሓለፍቲ ህግደፍ ወላ ሓደ ገበን ዘይብሉ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ካለኣይ መደበር ፖሊስ ዝተቀትለ ንፉዕን ለዋህን ነጋዳይ ፍቅረ ዓንድማሪያም ኣዝመራ፡ ናይ ቀረባ መዓቢቱን ወዲ ዓዱን ምዃኑ እዩ።

ኣብ 2007 ይዝከረኒ፡ ፍቅረ ኣብ መበቆል ዓዱ ዓዲ ዂታ ከሰላስሎ መብጽዓ ዝኣተወሉ ን ዓዲ ዝጠቅም ፕሮጀክት ስለ ዝነበረ፡ ባይቶ ዓዲ ብዛዕብኡ እና ዘተዩ ከሎዉ ብ ሃንደበት ሞት ፍቅረ ተረድኡ፡ ኣብቲ እዋን ነፍሲ ወከፍ ወዲ ዓዲ ዂታ፡ ዓቢ ይኹን ንእሽቶ ኣኣብ ገዝኡ ኮይኑ ዝነብዓሉ ግዜ እዩ ኔሩ።

ሎሚ ኸኣ በቲ ሓደ መልክዑ ምስ ዓመጽቲ ኮይኑ ዝዕምጽ፡ ጉዳይ ኣሕዋቱ ዘይሓቲት ክትርኢ ከሎኻ ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ።

ንሙዃኑ ታደሰ ጠዓመ ብዛዕባ ፍትሒ ኣሕዋቱ ዘይሓትት፡ ገንዘብን ረብሓን እምበር ዘመድ ዘይብሉ እዩ።

ወዲ ሓወብኡ ፍረሰላም በሪህ ብ ሓደ ኣለም ገብረዝግጊ ዝተባህለ ኣብ ሱዕድያ ዝነብር ውልቀሰብ ብ ምትሕብባር በዓል ወይኒ ካብ እምባሲ ኤርትራ ኣብ ሱዕድያ ፡ ብ ጉልባብ ምስግጋር ደቂ ሰባት ካብ ሱዕድያ ኣብ ኣስመራ ምስ ኣተወ ብ ቤተ ሰብ ኣለም ዝኮነ ሓላፊ ከም ዝእሰር ተጌሩ።
እቲ ን 7 ዓመት ገበኑ ዘይፈልጥ፡ ፍርዲ ዘይተበየነሉ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ማይስርዋ ዝሳቀ ዘሎ ወዲ 32 ዓመት መንእሰይ ፍረሰላም በሪህ ፡ ብ ኣጽኑሑለይ ዝተኣስረ 'ሞ ፡ እቲ ዘእሰሮ ሓላፊ ብኡ ጌሩ ከምዝረስዖ እዩ ዝዝረብ። እቶም ብ ውልቆም ምስኡ ዘራኽቦም ጉዳይ ዘእሰርዎ ሰባት ውን እንተኾኑ ፡ ተሓቲቶም፡ ንሕና ደኣ ክንድኡ ዝኣስርዎ ዘይ መሰለና ክብሉ እዮም መሊሶም።
ታደሰ ጠዓመ ካብ ብዘይሕጋዊ ስራሕ ውልቃዊ ጁባኻ ትመልእ፡ ድሃይ ፍርዲ ዘይረኸበ ሓውኻ ፍረሰላም እንተ ትፈልጥ እዩ ሂወት ዝህብ።

Saturday, 16 March 2019

ህግደፍ ኣብ ሓለዋ ስልጣኑ

ሰላም ክቡራት ኤርትራውያን ብ ሓፈሻ ፡መንእሰያት ድማ ብ ፍላይ። እቲ ነዊሕ ውጥን ሓለዋ ስልጣን ህግደፍ ግሁድ እጓ እንተኾነ፡ ብ ፍላይ ትሕቲ 35 ዘሎዉ መንእሰያት ከስተውዕልሉ ይግብኦም ዝብሎም ውልቃዊ ትዕዝብተይ ካብ 1994 ኪሳብ 2010 ህግደፍ ስልጣኑ ንምሕላው ዝገበሮም ተንኮላት ብዙሓት እዮም፡ ገለ ካብቶም ተንኮል ዝመልኦም ስርሓት፡እዞም ዝስዕቡ እዮም።
#1994#
-ኩሎም መንእሰያት ቀሲኖም ኣብ ዓዶም ብ ነጻ ክሰርሑ ፡ ክመሃሩ፡ ክመኽሩ፡ክጽሕፉ እንተኸኢሎም ን ስልጣኑ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ ስለ ዝኮነ፡ኩሉ መንእሰይ ኣብ መንግስቲ ብ ቀሊሉ ክቆጻጸረሉ ዝኽእል ቦታ ክጥርንፎም ብ መደብ ተሰሪሑሉ እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ በቶም ብ ቐረባ ክፈልጥዎ ዝኽእሉ መንእሰያት ኣስመራ ቀዳማይ ዙርያ ብ ምጥማቅ ሳዋ ኣውሪድዎም። ስልጣኑ ንምሕላው ኣገዳሲ ስልቲ ስለ ዝነበረ ከኣ ፡ ኩሎም መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ሳዋ እና ዓለመ እንትርፎ ብረት፡ምትኳስ ፡ ታዕሊም፡ ካርታ፡ቁማር፡ መስተን ካልእ ዕድላትኣብ ዘይ ረኽብሉ መወዳእታ ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና ኣገዲዱ ፡ ብ ምረት ካብ ዓዶም ከም ዝወጹ ጌሩ።
-ኣብቲ ዓመት ኩልና ከም ንፈልጦ፡ ናብርኦም ን ኽመሓየሽ ዝሓተቱን፡ ተቃውምኦን ዝጀመሩን ስንኩላን ኲናት ተጋደልቲ፡ በቶም ብጸቶም ከም ዝርሸኑ ጌሩ።
#1996#
- እቲ ብ ሕጊ እንዳባ ን ዓመታት በ ቢ ኣውራጅኡ ብ ምክብባር ክመሓደር ዝጸንሐ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንምቁጽጻሩ መታን ክጥዕመሉ፡ ምሕደራ ኣውራጃ ተሪፉ ብ ዞባታት ቀይርዎ፡
እቲ መሬት መሬት ህዝቢ ዝብል ዝነበረ ናብቲ ተንኮለኛ ስልቲ ድላዩ ንምስራሕ፡ መሬት መሬት መንግስቲ ዝብል ዓመጸኛ ኣሰራርሓ ብ ወግዒ ክሰርሓሉ ጀሚሩ።
#1998#
-እቲ ካብ ኲናት ኣዕሪፉ፡ ጩራ ጥጡሕ ናብራ ከስተማቅር ዝጀመረ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከምኡ ድማ ናብርኡ ኣመሓይሹ፡ ናብ ትምርትን ፍልጠት ምድላብን ፡ግብኡን ግዴትኡን ኣብ ምልላይ ዝርከብ ዝነበረ መንእሰይ ኤርትራ፡ ን ህግደፍ ኣብ ስልጣኑ ውን ግቡእን ሕጋውን ሕቶታት ከቅርብ ከም ዝክእል ፡ጉጅለ ህግደፍ ጽቡቅ ጌሮም ይፈልጡ ኔሮም።
ስለ'ዚ ከኣ ምስ መራሕቲ ህውሓት ምትንኻፋ  ዘይስልጡን ፖሎቲካዊ ህልኽ ፈጢሮም ፡ ን መንእሰይ ኤርትራ ብ ስም ሃገራዊ ልምዓት ፡ጎቦዝ ተሻሞ እና በሉ ኣኪቦም፡ ጸኒሖም ኲናት ወሊዖም ተወሪርና ብ ዝብል ጉልባብ ፡ ብ ዝርርብ ክውዳእ ዝክእል ዝነበረ ጉዳይ ፡ ኣብ ዘየድሊ ኲናት ጠቢሶሞ።
#2001#
- እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ካብ 1997 ክሳብ 2001 ብ ምጽናሕ፡ እቲ ኣብ 1997 ዝተነድፈ ቅዋም ግዚኡ ስለ ዝኣኸለ ፡ክትግበር ኔርዎ፡ እንተኾነ ብ ሰሪ እቲ ብ መደብ ዝወልዖ ኲናት ሃገር ኣብ ሓደጋ ስለ ዘላ ከመኽኒ ምስ ጀመረ፡ መልሲ ካብ ብ ቀጥታን ብ ተዘዋዋርን ካብ G15, ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ፡ ከምኡ ድማ ካብ ጋዜጠኛታት ምስ ገጠሞ፡
ነቶም ዝፈለጥዎ መንእሰያት ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ናብ ዊዓ፡ G15 ምስ ጋዜጠኛታት ድማ ናብ መእሰርቲ ብ ምድጓን ስልጣኑ ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ ከም ዝከውን ጌሩ እዩ።
#2003#
- እቲ ብቑዕን ኣድማዕነት ዝነበሮን ስርዓተ ትምርቲ ኤርትራ ፡ ደስ ስለ ዘይ በሎ። ብ ሽሕጣን ን ተመሃራይ ዘማእከለ (student centered) ስርዓተ ትምርቲ ፡11 ዓመት ዝነበረ 12 ዓመት ኪኸውን፡ እታ መበል 12 ወሳኒት ዓመት ድማ ተማሃራይ ቀሲኑ ናይ ትምርቱ ጥራይ ጌሩ ኣድማዒ ኮይኑ ከይወጽእ፡ ኣብ ወተሃደራዊ መደበር ታዕሊም ሳዋ፡ ምስ ወተሃደታዊ ታዕሊም ተጌሩ።
ኣብታ ሓንቲ ዓለም ለኻዊ ተፈላጥነት ዝነበራ UNIVERSITY OF ASMARA ፡ ኣብዚ ዩኒቨርስቲ ዝፈርዩ ተመሃሮ ፡ ነቲ ህግደፍ ዝገብሮ ተንኮላት መምዮም ክፈልጡ ዝኽእሉ እዮም ተባሂሉ፡ ኣብ ኡ ምእታው ተዓጽዩ። ኣብ ን ህግደፍ ምቁጽጻር ዝምችእ ኮለጃት ከም ዝመሃሩ ተጌሩ።
#2004-2005#
- ሃብታማት ኣውፈርቲ ኤርትራውያን ፡ ቑጠባዊ ዓቅሞም እና ዓበየ ስለ ዝመጸ፡ ህግደፍ ኣብ ማሕበራዊ፡ቁጠባዊን ጽላታት ክዕብለል የብሉን ካብ ዝብል ተንኮል፡ ብዙሓት ነጋዶ ብ ዘይሕጋዊ ገበናት እና ሳበበ ኣሲሩን ካብ ዓዶም ከም ዝወጹን ጌሩ። ህግደፍ ከኣ ኩሉ ናይ ብሕቲ ናይ ንግዲ ፡ መጎዓዝያ ካልእን ንጥፈታት ከም ዘይ ሰርሕ ጌሩ፡ ኩሉ ን ጥፈታት ኣብ ኤርትራ ዓብሊልዎ።
#2006#
-እቶም ን ኣሰራርሓ ህግደፍ ዝፈለጡ መንእሰያት፡ ትምርቲ ጉልባብ ኣብ ውትህድርና ምኻድ ክጥቀምሉ ምስ ጀመሩ፡ ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ኮይንዎ፡ ብ ተክኒክ ክትመሃሩ ዝብል መብጽዓ  ኣኪቡ ዊዓ ከምዝወርዱ ተጌሩ።
- እቲ ብ ህዝቢ ብ ሓፈሻ ብ መንእሰያት ከኣ ብ ፍላይ ዓቢ ተቀባልነትን ተፈታውነትን ከም ዘሎዎ ዝተዓዘብዎ፡ ብ ብቅዓትን ትምርትን ውን እንተኾነ ሃገር ከመሓድር ዝኽእል ዝነበረ ፍቱው ስነ ጥበባዊ ኣብራሃም ኣፈወርቂ ምስ ሮቤል፡ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ናይቲ ኣብ ሳዋ ዝገበርዎ ምርኢት፡ ኣብ ባጽዕ ብ ዘይ ንጹር ኩነታት ተፊኦም።
#2007#
- ገለ ካብቶም ን ኹሉ መሰናኽላት ምሕደራ ህግደፍ ተጻዊሮም ኣብ ዓዶም ምውፋር ዝቀጸሉ ኣውፈርቲ/ ነጋዶ ፍቅረን ሳምሶምን ብ ምትህልላኽን ስልጣንካ ናይ ምሕላውን ተንኮላት ኣጥፊኦሞም።
#2008- 2009#
- ህዝቢ ኤርትራ ጸጊቡ እንተ ሓዲሩ፡ ስዒቡ ዝመጽእ ሕቶ እንታይ ምዃኑ ህግደፍ ጽቡቅ ጌሩ ስለ ዝፈልጥ፡ ህዝቢ ብ ሰሪ እቲ ዝሓለፈ ዓመታት ዝነበረ ከልበትበት ኣብ ሕማቅ ቑጠባዊ ኩነታት ኣብ ዝነበረሉ፡ ንሕና ረደኤት ኣየድልየናን ብ ዝብል ትዕቢት፡ ህዝቢ መሰረታዊ ፍታሕ ከይረክብ ተጌሩ።
ህዝቢ ንምድንጋር ድማ፡ እቲ ጸገም ምስቲ ን ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ጥራይ ዝነበረ እገዳ ኣተሓሒዞም፡ ዓለም በዲላትና ክብሉ ዓመታት ኣደናጊሮም።
#2010#
- ብዙሕ መንእሰይ ኤርትራ ዓዱ ራሕሪሑ፡ ብ ሰላም ክነብር ፍታሕ ንምንዳይ ብብዝሒ ስለ ዝወጸ፡ ህግደፍ ኣብ ደገ ዘለዎ መሳርሒ ስለያን፡ መሳርሒ ዝኾኑዎ ብዛዕባ ኤርትራ ኣፍልጦ ዘይብሎም ኣብ ደገ ዝተወልዱ መንእሰያት ሃሰስ ምባል ብ ዝሓየለ ሰሪሑሉ።
Simon.
16/03/2019

Friday, 15 February 2019

ናትና'ስ በይኑ እዩ!

እቲ ህጻናት ከሎናስ፡  ከም ኤርትራዊ ባህልን ቆራጽነትን ኣብ ዓለም የሎን እና ተዘመረ ኢና ዓቢና፡ ኣብ ንእስነትካ ትመሃሮ ታሪኽ ምስ ዓበኻ ፡ ክንዲ ሰብ ኮይንካ ኣብ ተመዛዝነሉ ግዜ ምስ በጻሕኻ ተጻራሪ ወይ ድማ ብ ግልባጥ ኮይኑ ምስ ትረኽቦ፡ ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ።

ኤርትራውያን መንእሰያት (ትሕቲ 40) ሎሚ እቶም ኣብ ናጽነት ትሕቲ 7 ዓመት ዝነበሩ ህጻናት ወይ ድሕሪ ናጽነት ዝተወልዱ እዮም። እቲ ኣብ ዕድመ ስልጣን ህግደፍ ዝተዘመረ ሓደ ልቢ ሓደ ህዝቢ፡ ሕድሪ ስውኣትና ነኽብር ፡ ደቂ ስውኣትን ስድራ ስውኣትን፡ ሲንጋፖር ክንቅይራ ኢና፡ ካልእ ስማዊ እምበር ተግባራዊ ዘይኮነ ሃለውለው ምስትውዓል ደኣ ጎዲሉና ከይከውን እምበር ፡ ሓሶት ምዃኑ ርዱእ ካብ ዝከውን ዓመታት ኣሕሊፉ እዩ።

ሎሚ ቅነ እቶም ዕሉላት ተበለጽቲ ፡
ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ'ቲ ፡ ዘድሊ ኣይነበረን ዝበልዎ ኲናት 1998-2000 ኣብ ርብርብ ዝነበርሉ ግዜ፡ ደቆም ኣብ ውሑስ ቀዳማይ ዓለም ኣቀሚጦም፡ " እንታይ ዝከውን ሂወት እንታይ ዝኸውን ምንባር " ክብሉ ብ እዝንና ዝሰማዕናዮም ፡ ኣብቲ እዋን ብዛዕባ ደቆም ተሓቲቶም "ደቀይ ጭዋታት እዮም" ክብሉ ዝሰማዕናዮም ፡ እቶም ኣብ 1998 ህግደፍ ብ ካብ ህዝቢ ተሓቢኡ ዝጠጅኦ ተንኮል፡ ነቲ ን ልምዓት ሃገር ተሻሞ እና በሉ ን ናይ ጥፍኣት ኲናት ዘንበድበዱ!
ሎሚ ን ባህላዊ ዝምድና ኤርትራን -ኢትዮጵያን ተባሂሉ፡ ናይ ክብሪ ኣጋይሽ ኮይኖም ክትርኢ ከሎኻ፡ ኣብ ዓድና ብ ሓደ ሰብ ትውነንን ከም ዘላ ተወሳኺ መረጋገጺ እዩ።

ስል'ዚ ን ኩሉኹም ኤርትራውያን ፡ ዓዲ ናበይ ገጻ ተብል ከምዘላ፡ ኩልና ንዕዘብ ኣሎና። ሎሚ ብ ውድበይ ውድብካ፡ ደላዪ ፍትሒ ህግደፍ ኢልና እንተ ተፈላሊና ጽባሕ ናይ 30 ዓመት ዘይኮነስ ናይ 60 ዓመት ቃልሲ ውን ዘይ መልሶ ክሳራ ልኡላውነት ሃገር ከስዕብ ይኽእል እዩ። እዚ ዓለም ናጽነትና ፈሊጣ እያ ዝበሃል ንነብሰ ምትዕሽሻው ነልዕሎ ዛዕባ፡ ካብቲ ዝመጽእ ዘሎ ሓደገኛ ማዕበል ዘናግፈና ኣይመስለንን።

ካብ'ታ ናይ ሰላምን ምድማርን ነጋሪት ዝተሃርመትላ መዓልቲ ዝተሓቱ ሕቶታት፡ ዝተዋህቡ መልስታት፡ዝተገብሩ ስምምዓት ደጋጊምና ነስተውዕለሎም፡ ብድሕሪ'ዚ ጉዳይ ናበይ ገጹ እዩ ንምግምጋሙ ኣየጸግምን።
ውሕጅ ከይ መጸ መንገዲ ውሕጅ ጽረግ እዩ።

15/02/2019።

Sunday, 3 February 2019

ብ ዝኾነ መንገዲ ኣንጻር ህግደፍ  ምንቃሕን ምውዳብን!!!

ህግደፍ ን ኣድማዒ ዝበልዎ ምንእኣስን ምንሻውን ካብ ቀደም  ቀንዲ ስልታዊ ኣሰራርሕኦም እዩ።
እቲ ዘሕዝን ግን ን መብዛሕትኡ መንእሰይ ኤርትራዊ  እቲ ናቶም ዓማጺ ዘይፍትሓውን ዘይምኽኑይን ኣተሓሳስባ ከም ሓቂ ጌሮም ን ዓመታት ከእምኑ ምኽኣሎም እዩ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ን ደምበ ተቃውሞ ብ ብዙሕ ናይ 03 ወረታትን ብ ናቶም ልኡኻትን ከም'ቲ ዝድለ ከድዕ ከም ዘይ ክእል ኣይገበሩን ክበሃል ኣይከኣልን ፡ እንተኾነ ተንኮል ምስ ግዜ ባዕሉ እና ተጋህደ ስለ ዝመጽእ ብዙሓት ሰዓብቶም ውን ከሲሮምን ይከስሩ ኣሎዉን። ኣብ'ዚ እዋን እዚ እቲ ንነውሕ ኪኸይድ ዝጸንሐ ደምበ ፍትሒ ምስዚ ዘሎ ሃዋህው ናይ ኤርትራ ኪኸይድ ዝኽእል ዓይነት ኣወዳድባን  ነቲ ዝነበረ ከተርንዕ ዝኽእል መሰረታዊ ጥርናፈን ኣብ ምስራሕ ይነጥፍ ከምዘሎ ናይ ኩልና ትዕዝብቲ እዩ።
እንተኾነ  ብ ካብ ደለይቲ ፍትሒ ዝወጽእ ግርህነት ዝተሓወሶን ነቲ ተንኮለኛ ስልቲ ናይ ህግደፍ ዘደልድን ሞጎት ክለዓል ንዕዘብ ኣሎና።
ብዝያዳ ኣብ ብዙሕ ትደጋገም ዘላ ዛዕባ ጥርናፈ ኤርትራውያን ብ ኣውራጃ እያ፡እዛ ብ ኣውራጃ ምጥርናፍ  ብብዙሓት ኤርትራውያን ከም ናይ ድሑራት፡ ዓሌታውያን ፡ ፈላለይቲ እናተባህለ ይዝረብ እዩ።
ብ መሰረቱ ከምዚ ዓይነት ምንሻው ካብ ህግደፍ ዝብገስ ኮይኑ ይስመዓኒ መኽንያቱ ብ ኣውራጃ ምጥርናፍ ዝያዳ ምትእምማን ዝፈጥርን ስሚዒት ሃገራውነት ዘዕብን ዘላዕልን ኣድማዒ ዝኮነ ስልቲ ምዃኑ ስለ ዝፈልጡ።
ስለ'ዚ ኩሉ ኤርትራዊ ክነቕሓሉ ዘሎዎ፡ ሎሚ ውደባ ካብ ገዛና ምጅማር የድሊ ኣሎ፡ ን ህግደፍ ዘገልግል ዘሎ፡ ሃገር የጥፍእ ምህላዊ ከነረድኦ ይግባእ።
ባህሉን ዓደብኡን ከይርስዕ ድማ፡ ኣብ መኣዲ ዓደ'ቦ ተጠርኒፉ፡ ምስ ኩለን ኣውራጃታት ሓቢሩ ዘትዩ ብልጽትን ብርትዕትን ብኻልኦት ዘይትድፈር ኤርትራ ክሰርሕ ክብገስ ኣሎዎ።
ኣብ ቀዳማይ ዓለም ውን ሃገራት ብ ኣውራጃታት ዝቆማ ምዃነን ፡ ዝኾነ ዜጋ ውን በቲ ዝተወልደሉ መበቆሉ ኩሩዕ  ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ።
ስለ'ዚ ኣብዚ ዘሎናዮ ግዜ ዝኾነ ኤርትራዊ በዚ ኾይኑ በቲ ኣንጻር ህግደፍ ምስማር እዩ ዘድሊ ዘሎ።
ብድሕሪኡ ብ ንኡስ ወለዶ ትመሓደር ፡ መሰል ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ተኽብር ቅዋማዊት ኤርትራ ክውንቲ ክትከን እያ።

03/02/2018

Eritrean orthodox church doc

  https://cnewa.org/eastern-christian-churches/oriental-orthodox-churches/the-eritrean-orthodox-church/