ናብ ኩሉ ኤርትራዊ ደላዪ ፍትሒ
ሰላም ኩሉኹም ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ ከም ዝፍለጥ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብ ዝተፈላለዩ ደቀቅቲ ነገራት ክንጸባጸብ ናይ ዘይምስምማዕ ኣብ መንጎና ሳዕሪሩ ጸኒሑ እዩ። ከም ውጸኢቱ ድማ ጉጅለ ህግደፍ ዕድመ ስልጣኖም ኣናዊሖም ጥራይ ዘይኮኑ 'ሲ ፡ ተኣኪቦም ዘየፍርዩ፡ እዚኦም እንቛዕ ኮኑ ተቃወምትና እና በሉ የስተነዓቚና እዮም።
እዚ ሕጂ ን ሪእዮ ዘሎና ምስ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ናይ ሰላም ስምምዕ ግን ብ ፍሉይ ከነስተውዕለሉ ዘሎና ሓደገኛ ጉዳይ እዩ። መኽንያቱ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ምስ ህግደፍ ብምርድዳእ ረብሓኦም እዩ ዘገድሶም። ህግደፍ ከኣ ካብ ዝገበሮ ገበን ን ክሃድም ዝሓተትዎ ከም ዝህቦም ኣየጠራጥርን።
እቲ ብዛዕባ ዓዱ እንታይ ይበሃል ከም ዘሎ ዘይፈልጥ ህዝቢ ኤርትራ ደኣ እንታይ ይግበር? በ የናይ መንገዲ መልእኽቱ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ከብጽሕ?
ሕጂ እያ እታ ወሳኒት ግዜ፡ ኩሉ ደላዪ ፍትሒ ኤርትራዊ ፡ብ ዘይ ውድበይ ውዱብካ ኣብ ሓደ መስመር፡ ሃገር ንምውሓስ ብ ሓደ ተጠርኒፉ ፡ ከካብ ዘሎዎ ወከልቱ ሰዲዱ ኣብ ማእከላይ ቦታ ኣኼባ ብምግባር ሓደ ኮምሚቴ ወካሊ ናይ ኩሉ ደላዪ ፍትሒ ከቁም ኣሎዎ።
ብድሕሪ እዚ ን መንግስቲ ኢትዮጵያ ውን እንተኾነ፡ እዚ ዝግበር ዘሎ ናይ ሰላም ስምምዕ፡ ምስ እዞም ህዝቢ ዘይወከሎም ጉጅለ ህግደፍ ጥራይ እንተኾይኑ ዘላቒ ሰላም ከም ዘየምጽእ ምሕባር ይከኣል። ካብኡ ሓሊፍና ድማ ኣብ ዓድና ስልጣን ናብ ህዝቢ ይረከብ፡ ፍትሕን ሕግን ይገበር ፡ እሱራት ብ ዘይ ቅድመ ኩነት ይፈትሑ፡ ክንብል ንኽእል።
Simon Rezene.
30/06/2018
No comments:
Post a Comment