ሰላም ክቡራት ኤርትራውያን፡ ከም ዝፍለጥ ህግደፍ እዋናዊ ዛዕባ ተጠቂሙ ብ ዝሓየለ መልክዑ ጎስጒሱ ን ህዝቢ ናይ ምድንጋር ስልቲ ካብ ዝጥቀም ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። ንሕና ከም ዜጋታት እቲ ዝግበር ሽርሕታትን ብ ናይ ሓሶት ፖሊቲካ ህዝቢ ናይ ምድንጋር ዘመተን ክንቃለሶ ግቡእ ጥራይ ዘይ ኮነ ግዴታና እዩ።
ኣብዚ ሎሚ ቅነ ዘሎ ዘይ ክውንነታዊ ጽምብላትን ዳንኬራን ብ ምኽንያት ምልዓል ማዕቀብ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ኤርትራ እዩ።
ኣብዚ ከም ዜጋታት ከነስተውዕሎ ዝግበኣና መሰረታዊ ሕቶ፡ እቲ ማዕቀብ ኣብ ምታይ ዘተኮረ እዩ ኔሩ ? ?
United Nations Security Council Resolution1907, adopted on December 23, 2009, imposed an arms embargo on Eritrea, travel bans on its leaders, and froze the assets of some of the country's political and military officials after accusing the Eritrean government of aiding Al-Shabaab in Somaliaand reportedly refusing to withdraw troops from its disputed border with Djibouti, following a conflict in 2008.[1] The African Union and other organisations had been calling on the Security Council to sanction Eritrea for several months.
እቲ ማዕቀብ ወይ እገዳ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ ኣብ 3 ነገራት ዘተኮረ እዩ ኔሩ:-
1) ኣብ ኣጽዋር ምግዛእ።
2) ማዕቀብ ኣብ ምውጻእ ወይ ምንቅስቃስ ሓለፍቲ።
3) ምህጋር ንብረት ላዕለዎት ናይ ፖሊቲካን ወተሃደራዊ ሓለፍትን።
እቲ ከም መኽንያት ዝቀረበ ከኣ ን Al-Shabaab ኣብ ሶማል ትሕግዙ ዝብልን ከምኡ ድማ ብ ተደጋጋሚ ወተሃደራት ኤርትራ ካብ ምስ ጁቡቲ ዘባእስ ዶብ ስለ ዘይወጹን ዝብ እዩ።
ኣብዚ ከደናግረና ዘይብሉ ነገር፡ ን ህዝቢ ኤርትራ እዚ እገዳ በየናይ መንገዲ እዩ ጸልዩዎ ኣብዚ ዝሓለፈ 9 ዓመት? እዚ ነቶም ሃገር ሓማሞሶማ ዘሎዉ ሓለፍቲ ህግደፍ ዕላማ ዝገበረ እዩ፡ ተላዒሉ ኣይተላዕለ ን ህዝቢ ኤርትራ ዝጸሉ ኣይኮነን።
ህዝቢ ኤርትራ ጸገሙ ካብ 2009 ምስ እገዳ ዝጅምር ኣይኮነን።
ህግደፍ ብ ህዝቢ ዘየለልዮ መንገዲ ዓመታት ኣደናጊሩ ፡ኣብ 2001 ግን ብ ወግዒ ቅዋም መታን ከይትግበር፡ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ብ ምእሳር ባይቶ ዘይብላ ሃገር ጌርዋ፡ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ብምዕጻው ጋዜጣኛታት ኣሲሩ። ኣብ 2006 እታ ኣብ ዓለም ተቀባልነት ዝነበራ ዩኒቨርሲቲ ፡ኣብዚ ዝመሃሩ ተማሃሮ ን ሃገር ኣይጠቅሙን ብ ዝብል ህዝቢ መታን ከይ ስልጥን ዓጽዩዋ።
ን 16 ዓመት ብ ሽፋን ባድመን ምሕንጻጽ ዶብን ህዝቢ ከታልል ጸኒሑ፡ ብ ሰሪ ሕሱም ዜቤታዊ ምሕደራ መንእሰይ ዘይ ብላ ድሕሪ ምዃና ከኣ ሕጂ ኣብ 2018 ዶብ ከይተሓንጸጸ ባድመ ከይተመልሰ ፡ መሰረታዊ ጉዳይ ኣይኮነን ኢሉ ፡ ብ ናይ በይናዊ ውሳነታት ምስ ኢትዮጽያ ይፈራረም ኣሎ።
ሕጂ ውን ናብ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ ናይ ከምድላይካ መንገዲ ምኻድ ን ህዝቢ ኤርትራ ፡ ካልእ ዋጋ ክሓትት ከምዝኽእል ከነስተውዕል ይግባእ።
ጸገምና ኣብ ውሽጢ ዓድና ዘሎ ስርዓት ምዃኑ ኣይንደናገር።
No comments:
Post a Comment