ንሕና ኤርትራውያን ከም መመኽነይታ ወይ መእመኒ ገዛእ ርእስና ንጥቀመሉ ኣተሓሳስባ፡ ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር እያ፡ ኣብ ዓለም ተፈሊጣ እያ ኦሮማይ፡ ካልእ ተመሳሳሊ ዘረባታትን እዩ።
ን ምዃኑ ካብ ቀደም ካብ ኢትዮጽያ ዝተፈልየ ናይ ምሕደራን መግዛእትን ታሪኽ ከም ዝነበራ ፡ኣብ 50ታት ኤርትራ ናይ ገዛእ ርእሳ ባይቶን ባንዴራን ከም ዝነበራ ንዝንግዖ ዘሎና ኮይኑ ይስመዓኒ።
እዚ ከም'ዚ ስለ ዝነበረ ፡ ሃይለስላሴ ባንዴራ ኤርትራ እውሪዱ ን ኤርትራ መበል 14 ዞባ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ክሕውሳ ከሎ፡ UN ድዩ ተቛዊሙ ብረታዊ ቃልሲ ከም ዝጅመር ጌሩ?
ነቲ ዝነበረ ዓመጽ ብ ምቅዋም ብረታዊ ቃልሲ ጀሚሩ ፡ ድሕሪ 30 ዓመት፡ ብ ኸቢድ ዋጋ ናጽነቱ ዘረጋገጸ ህዝቢ ኤርትራ እዩ።
ኣብ'ዚ ሕጂ ዝረአ ዘሎ ፖሊቲካዊ ኣካይዳ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት፡ ሕጋዊ ዘይኮነን፡ ግሉጽነት ዘይብሉ፡ን ህዝቢ ኤርትራ ዘየርብሕ ፡ ካብ'ኡ ዝኸፈኤ ዘሰክፍ ውን ንዓና ንኤርትራውያን ከምቲ ናጽነት ንምምጻእ ዝኸፈልናዮ ዋጋ፡ ካልእ ዋጋ ዘኽፍልን ዝበኣሰ ኩነታት ዝፈጥርን ከይ ከውን እዩ።
ብ ምኽንያት ናይ ዶብ ግጭት ፡ እዚ ኩሉ መንእሰይ ጠፊኡ፡ ሎሚ ዶብ ከይ ተሓንጸጸ፡ ብዛዕባ ቑጠባ፡ወደባትን፡ መጓዓዝያን ምስምምዕ፡ ዶብ ቀዳማይ ዛዕባና ኣይኮነን ምባል፡ ናይ ጥዕና ኣይኮነን።
ኣብ'ዚ እዋን እዚ ኩልና ኤርትራውያን ብ ሃገር የዋሕስ እዩ ዝበልናዮ መንገዲ ተጠርኒፍና፡ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ሓደገኛ ማዕበል ህዝብን ሃገርን ከነውሕስ ግዴታዊ ሓላፍነት ኣሎና።
https://m.facebook.com/story.php?story_fbid=203033227243258&id=100026097452390
To All Eritreans!!
ReplyDelete