ህግደፍ.....ብ facebook ወይ ብ ካልእ ማሕበራዊ መራኸቢ ጥራይ ዝወድቅ ስርዓት ከም ዘይኮነ ኩሉ ኤርትራዊ ዝዝንግዖ ኣይመስለንን።
ብዝሓት ኤርትራውያ ኣብ facebook live ወጽዮም ብዛዕባ ኩነታት ዓድና ምዝራቦም ጽቡቅ እኳ እንትውኾነ ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብ ፍላይ ዳርጋ ኩሉ ህዝቢ ን ህግደፍ ከም ጻዕዳ ኢዱ ፈሊጥዎ እዩ ክበሃል ይከኣል።
ከም ውጻኢቱ ድማ ብዙሕ መንእሰይ "ይኣክል" ብ ምባል ኣብ facebook ብ ቅሉዕ ሓሳቡ ገሊጹ እዩ።
ኣብ'ዚ ሕጂ እዋን ተሪፉ ዘሎ ኣገዳስን ዘይተርፍን ስጉምቲ "ተግባር " እዩ።
ኣንጻር እዚ መንግስቲ ዝስሙ ጨቛኒ ኣብ ዓድና ዘሎ ጉጅለ ክንለዓል ከሎና ፡ ብድሕሪኡ ዘሎ ግዜ ሓላፍነት ክወስድ ዝክእል ኣካል ምድላው ግድን እዩ።
እቲ ኪኸውን ዝግብኦ ፡ ኣብ ደምበ ፍትሒ ዘሎዋ ምንቅስቃሳት ኣብ ውድብ ዘብለን ደረጃ በጺሐን ሓላፍነት ንምውሳድ ድሉዋት ኪኾና እዩ። እንተ'ኾነ ግን ብ ዲፕሎማስያዊ፡ ቁጠባዊ፡ ካልእ ብዙሕ ኣብ ግምት ክኣቱ ዘሎዎ መምዘኒታት ኣብዚ ደረጃ ዝበጽሐት ወይ ዝበጽሓ ምንቅስቃሳት ኪሳብ ሕጂ የላን/ የለዋን።

እቲ ኣማራጺ ኪኸውን ዝኽእል ምንቅስቃሳት ,ሲቪክ ማሕበራት፡ዓቅሚ ዘሎዎም ውልቀ ሰባት ማእከል ዝገበረ ህዝባዊ ጥርናፈ ኣብ ኩለን ሃገራት ተጌሩ ፡ ህዝቢ ኣኣብ ዘሎዎ ሃገር ወከልቱ ኪገብር።
ብ ድሕሪ ዚ እቲ መሪሒነት ናይ ኩለን ሃገራት ርክብ ጌሩ፡ ን ደምበ ፍትሒ ዝውክል መሪሒነት ክቀውን ይኽእል።
እዚ ብ ህዝቢ ውክልና ዝተዋህበ መሪሒነት ትካላዊ ኣሰራርሓ ብምቛም ንደምበ ፍትሒ ምስ ዘሎ ብዙሕ ፍልልያት ብሓባር ብምምራሕ ነቲ ድሕሪ ህግደፍ ዘሎ ግዜ ምድላዋቱ ኣብ ዘጻፈፈሉ እቲ #ተግባር# ንብሎ ዘሎና ናይ መወዳእታ ስጉምቲ ኣንጻር ህግደፍ ክውሰድ ይከኣል።

በዚ ሕጂ ዝከይድ ዘሎ ኣገባብ ግን ከይ ሓረስካ ምህርቲ ምጽባይ እዩ። ኣብ ጥልያን እዛ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ትብል ሜላ ጥርናፈ ጽቡቅ ውጽኢት እና ምጽአት እያ። ኣብ ኩሉ እንተ ዝስረሓላ ውጽኢታዊት ምኾነት ይመስለኒ።
No comments:
Post a Comment