ሰላም ክቡራት ኤርትራውያን ብ ሓፈሻ ፡መንእሰያት ድማ ብ ፍላይ። እቲ ነዊሕ ውጥን ሓለዋ ስልጣን ህግደፍ ግሁድ እጓ እንተኾነ፡ ብ ፍላይ ትሕቲ 35 ዘሎዉ መንእሰያት ከስተውዕልሉ ይግብኦም ዝብሎም ውልቃዊ ትዕዝብተይ ካብ 1994 ኪሳብ 2010 ህግደፍ ስልጣኑ ንምሕላው ዝገበሮም ተንኮላት ብዙሓት እዮም፡ ገለ ካብቶም ተንኮል ዝመልኦም ስርሓት፡እዞም ዝስዕቡ እዮም።
#1994#
-ኩሎም መንእሰያት ቀሲኖም ኣብ ዓዶም ብ ነጻ ክሰርሑ ፡ ክመሃሩ፡ ክመኽሩ፡ክጽሕፉ እንተኸኢሎም ን ስልጣኑ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ ስለ ዝኮነ፡ኩሉ መንእሰይ ኣብ መንግስቲ ብ ቀሊሉ ክቆጻጸረሉ ዝኽእል ቦታ ክጥርንፎም ብ መደብ ተሰሪሑሉ እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ በቶም ብ ቐረባ ክፈልጥዎ ዝኽእሉ መንእሰያት ኣስመራ ቀዳማይ ዙርያ ብ ምጥማቅ ሳዋ ኣውሪድዎም። ስልጣኑ ንምሕላው ኣገዳሲ ስልቲ ስለ ዝነበረ ከኣ ፡ ኩሎም መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ሳዋ እና ዓለመ እንትርፎ ብረት፡ምትኳስ ፡ ታዕሊም፡ ካርታ፡ቁማር፡ መስተን ካልእ ዕድላትኣብ ዘይ ረኽብሉ መወዳእታ ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና ኣገዲዱ ፡ ብ ምረት ካብ ዓዶም ከም ዝወጹ ጌሩ።

-ኣብቲ ዓመት ኩልና ከም ንፈልጦ፡ ናብርኦም ን ኽመሓየሽ ዝሓተቱን፡ ተቃውምኦን ዝጀመሩን ስንኩላን ኲናት ተጋደልቲ፡ በቶም ብጸቶም ከም ዝርሸኑ ጌሩ።
#1996#
- እቲ ብ ሕጊ እንዳባ ን ዓመታት በ ቢ ኣውራጅኡ ብ ምክብባር ክመሓደር ዝጸንሐ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንምቁጽጻሩ መታን ክጥዕመሉ፡ ምሕደራ ኣውራጃ ተሪፉ ብ ዞባታት ቀይርዎ፡
እቲ መሬት መሬት ህዝቢ ዝብል ዝነበረ ናብቲ ተንኮለኛ ስልቲ ድላዩ ንምስራሕ፡ መሬት መሬት መንግስቲ ዝብል ዓመጸኛ ኣሰራርሓ ብ ወግዒ ክሰርሓሉ ጀሚሩ።

#1998#
-እቲ ካብ ኲናት ኣዕሪፉ፡ ጩራ ጥጡሕ ናብራ ከስተማቅር ዝጀመረ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከምኡ ድማ ናብርኡ ኣመሓይሹ፡ ናብ ትምርትን ፍልጠት ምድላብን ፡ግብኡን ግዴትኡን ኣብ ምልላይ ዝርከብ ዝነበረ መንእሰይ ኤርትራ፡ ን ህግደፍ ኣብ ስልጣኑ ውን ግቡእን ሕጋውን ሕቶታት ከቅርብ ከም ዝክእል ፡ጉጅለ ህግደፍ ጽቡቅ ጌሮም ይፈልጡ ኔሮም።
ስለ'ዚ ከኣ ምስ መራሕቲ ህውሓት ምትንኻፋ ዘይስልጡን ፖሎቲካዊ ህልኽ ፈጢሮም ፡ ን መንእሰይ ኤርትራ ብ ስም ሃገራዊ ልምዓት ፡ጎቦዝ ተሻሞ እና በሉ ኣኪቦም፡ ጸኒሖም ኲናት ወሊዖም ተወሪርና ብ ዝብል ጉልባብ ፡ ብ ዝርርብ ክውዳእ ዝክእል ዝነበረ ጉዳይ ፡ ኣብ ዘየድሊ ኲናት ጠቢሶሞ።

#2001#
- እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ካብ 1997 ክሳብ 2001 ብ ምጽናሕ፡ እቲ ኣብ 1997 ዝተነድፈ ቅዋም ግዚኡ ስለ ዝኣኸለ ፡ክትግበር ኔርዎ፡ እንተኾነ ብ ሰሪ እቲ ብ መደብ ዝወልዖ ኲናት ሃገር ኣብ ሓደጋ ስለ ዘላ ከመኽኒ ምስ ጀመረ፡ መልሲ ካብ ብ ቀጥታን ብ ተዘዋዋርን ካብ G15, ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ፡ ከምኡ ድማ ካብ ጋዜጠኛታት ምስ ገጠሞ፡
ነቶም ዝፈለጥዎ መንእሰያት ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ናብ ዊዓ፡ G15 ምስ ጋዜጠኛታት ድማ ናብ መእሰርቲ ብ ምድጓን ስልጣኑ ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ ከም ዝከውን ጌሩ እዩ።

#2003#
- እቲ ብቑዕን ኣድማዕነት ዝነበሮን ስርዓተ ትምርቲ ኤርትራ ፡ ደስ ስለ ዘይ በሎ። ብ ሽሕጣን ን ተመሃራይ ዘማእከለ (student centered) ስርዓተ ትምርቲ ፡11 ዓመት ዝነበረ 12 ዓመት ኪኸውን፡ እታ መበል 12 ወሳኒት ዓመት ድማ ተማሃራይ ቀሲኑ ናይ ትምርቱ ጥራይ ጌሩ ኣድማዒ ኮይኑ ከይወጽእ፡ ኣብ ወተሃደራዊ መደበር ታዕሊም ሳዋ፡ ምስ ወተሃደታዊ ታዕሊም ተጌሩ።
ኣብታ ሓንቲ ዓለም ለኻዊ ተፈላጥነት ዝነበራ UNIVERSITY OF ASMARA ፡ ኣብዚ ዩኒቨርስቲ ዝፈርዩ ተመሃሮ ፡ ነቲ ህግደፍ ዝገብሮ ተንኮላት መምዮም ክፈልጡ ዝኽእሉ እዮም ተባሂሉ፡ ኣብ ኡ ምእታው ተዓጽዩ። ኣብ ን ህግደፍ ምቁጽጻር ዝምችእ ኮለጃት ከም ዝመሃሩ ተጌሩ።

#2004-2005#
- ሃብታማት ኣውፈርቲ ኤርትራውያን ፡ ቑጠባዊ ዓቅሞም እና ዓበየ ስለ ዝመጸ፡ ህግደፍ ኣብ ማሕበራዊ፡ቁጠባዊን ጽላታት ክዕብለል የብሉን ካብ ዝብል ተንኮል፡ ብዙሓት ነጋዶ ብ ዘይሕጋዊ ገበናት እና ሳበበ ኣሲሩን ካብ ዓዶም ከም ዝወጹን ጌሩ። ህግደፍ ከኣ ኩሉ ናይ ብሕቲ ናይ ንግዲ ፡ መጎዓዝያ ካልእን ንጥፈታት ከም ዘይ ሰርሕ ጌሩ፡ ኩሉ ን ጥፈታት ኣብ ኤርትራ ዓብሊልዎ።

#2006#
-እቶም ን ኣሰራርሓ ህግደፍ ዝፈለጡ መንእሰያት፡ ትምርቲ ጉልባብ ኣብ ውትህድርና ምኻድ ክጥቀምሉ ምስ ጀመሩ፡ ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ኮይንዎ፡ ብ ተክኒክ ክትመሃሩ ዝብል መብጽዓ ኣኪቡ ዊዓ ከምዝወርዱ ተጌሩ።
- እቲ ብ ህዝቢ ብ ሓፈሻ ብ መንእሰያት ከኣ ብ ፍላይ ዓቢ ተቀባልነትን ተፈታውነትን ከም ዘሎዎ ዝተዓዘብዎ፡ ብ ብቅዓትን ትምርትን ውን እንተኾነ ሃገር ከመሓድር ዝኽእል ዝነበረ ፍቱው ስነ ጥበባዊ ኣብራሃም ኣፈወርቂ ምስ ሮቤል፡ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ናይቲ ኣብ ሳዋ ዝገበርዎ ምርኢት፡ ኣብ ባጽዕ ብ ዘይ ንጹር ኩነታት ተፊኦም።

#2007#
- ገለ ካብቶም ን ኹሉ መሰናኽላት ምሕደራ ህግደፍ ተጻዊሮም ኣብ ዓዶም ምውፋር ዝቀጸሉ ኣውፈርቲ/ ነጋዶ ፍቅረን ሳምሶምን ብ ምትህልላኽን ስልጣንካ ናይ ምሕላውን ተንኮላት ኣጥፊኦሞም።

#2008- 2009#
- ህዝቢ ኤርትራ ጸጊቡ እንተ ሓዲሩ፡ ስዒቡ ዝመጽእ ሕቶ እንታይ ምዃኑ ህግደፍ ጽቡቅ ጌሩ ስለ ዝፈልጥ፡ ህዝቢ ብ ሰሪ እቲ ዝሓለፈ ዓመታት ዝነበረ ከልበትበት ኣብ ሕማቅ ቑጠባዊ ኩነታት ኣብ ዝነበረሉ፡ ንሕና ረደኤት ኣየድልየናን ብ ዝብል ትዕቢት፡ ህዝቢ መሰረታዊ ፍታሕ ከይረክብ ተጌሩ።
ህዝቢ ንምድንጋር ድማ፡ እቲ ጸገም ምስቲ ን ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ጥራይ ዝነበረ እገዳ ኣተሓሒዞም፡ ዓለም በዲላትና ክብሉ ዓመታት ኣደናጊሮም።

#2010#
- ብዙሕ መንእሰይ ኤርትራ ዓዱ ራሕሪሑ፡ ብ ሰላም ክነብር ፍታሕ ንምንዳይ ብብዝሒ ስለ ዝወጸ፡ ህግደፍ ኣብ ደገ ዘለዎ መሳርሒ ስለያን፡ መሳርሒ ዝኾኑዎ ብዛዕባ ኤርትራ ኣፍልጦ ዘይብሎም ኣብ ደገ ዝተወልዱ መንእሰያት ሃሰስ ምባል ብ ዝሓየለ ሰሪሑሉ።

Simon.
16/03/2019
16/03/2019
ህግደፍ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ እዩ።
ReplyDelete